ማይን ምሕንባስን
ኣብ ኔዘርላንድ፣ ከም ባሕሪ፣ ቀላያት፣ ሩባታት፣ መትረባትን መሐንበሲ ጋብላታትን ዝኣመሰለ ብዙሕ ማይ ኣሎ። ብግቡእ ክትሕንብስ ዘይትኽእል እንተድኣ ኮይንካ ማይ ንህይወት ዘስግእ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ።

ውሑስ ኣቀራርባ ማይ
ኩነታት ኣየር ሙቐት ምስ ዝኸውን ምሕንባስ ደስ ዝብል እዩ። እንተኾነ ግን ብግቡእ ክትሕንብስ ዘይትኽእል እንተድኣ ኮይንካ ማይ ንህይወት ዘስግእ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ። ዳርጋ ነፍስወከፍ ዓመት ሰባት ይጥሕሉ እዮም።
ናብ ማይ ክትኣቱው ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ኩሉ ግዜ ነዞም ምኽርታት ተኸተል፡
- ምሕንባስ ዘይተማሃርካ እንተድኣ ኮይንካ ክትሕንብስ ኣይትኺድ።
- ብፍጹም ንበይንኻ ኣይትሓንብስ።
- ኩሉ ግዜ ንደቅኻ ብቐረባ ተኸታተሎም።
- ንምሕንባስ ኣብ ዝተኸልከሉ ቦታታት ፈጺምካ ኣይትሓንብስ።
- ናብቲ ማይ ንምእታው ብጥንቃቐ ሰጒም። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ማይ ኣበይ ዓሚቝን፣ ደጊም ደው ክትብለሉ ዘይትኽእልን ምዃኑ ክትርእዮ ኣይትኽእልን ኢኻ። ብዘይካዚ እቲ ባይታ መብዛሕትኡ ግዜ ዘይምዕሩይ እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ሃንደበት ዓሚቝ ክኸውን ይኽእል እዩ።
- ካብ ዝሑል ማይ ተጠንቀቕ። ኣብ ዝሑል ማይ ካብ ንቡር ዝትሕት ምቘተ-ሰብነትን፣ ምጭብባጥ ጭዋዳታትን ከጋጥመካ ይኽእል እዩ።
- ካብ ሓያላት ዋሕዚታት ማይ ተጠንቀቕ። ኣብ ሩባ ወይ ኣብ ባሕሪ ዝርከቡ ሓያላት ዋሕዚታት ማይ ስሒቦም ክማልኡኻ ይኽእሉ እዮም።
- ኣብ ንጹር ዘይኮነ ማይ ፈጺምካ ኣይትዝለል ወይ ኣይትጥለቕ።
ቪድዮ ረኣይ
Deze video licht bewoners voor over Nederland waterland. Het laat bewoners zien wat er zo leuk is aan recreëren aan het water én wat de gevaren van het water zijn. Het zorgt voor een eerste kennismaking met de verschillende soorten water in Nederland en moet bewoners stimuleren om zwemles te nemen.

ወይ ብዛዕባ ምሕንባስ እትምልከት ቪድዮ ናይ Steffie.nl ኣብዚ ረኣይ። እታ ቪድዮ ብዝተኻእለ መጠን ብውሑስ ኣገባብ ንኽትሕንብስ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ኩሉ ዓይነት ምኽርታት ትህብ። እታ ቪድዮ ትምህርቲ ምሕንባስ ስለምንታይ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ እውን ትገልጽ። እተን ቪድዮታት ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ድሉዋት ኣለዋ፡ ብቋንቋታት ኔዘርላንድ፣ እንግሊዝ፣ ቱርኪ፣ ሶማልን ዓረብን።
ምሕንባስ ምምሃር
ኣብ ኔዘርላንድ ቆልዑት ካብ ዕድመ ንእስነቶም ኣትሒዞም ትምህርቲ ምሕንባስ ይረኽቡ እዮም። ኣብ COA ዝነብሩ ቆልዑትን በጽሒታትን ትምህርቲ ምሕንባስ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ንስኻ እውን ትምህርቲ ምሕንባስ ትደልይ ዲኻ? ብዛዕብኡ ኣብ Infobalie ንሰራሕተኛ ናይ COA ሕተት።
