ብቐጥታ ናብ ትሕዝቶ ኪድ
መጠንቀቕታ ብዛዕባ ሓደጋታት ምሕንባስ።

ውሑስ ኣቀራርባ ማይ

ኩነታት ኣየር ሙቐት ምስ ዝኸውን ምሕንባስ ደስ ዝብል እዩ። እንተኾነ ግን ብግቡእ ክትሕንብስ ዘይትኽእል እንተድኣ ኮይንካ ማይ ንህይወት ዘስግእ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ። ዳርጋ ነፍስወከፍ ዓመት ሰባት ይጥሕሉ እዮም። 

ናብ ማይ ክትኣቱው ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ኩሉ ግዜ ነዞም ምኽርታት ተኸተል፡

  • ምሕንባስ ዘይተማሃርካ እንተድኣ ኮይንካ ክትሕንብስ ኣይትኺድ።
  • ብፍጹም ንበይንኻ ኣይትሓንብስ።
  • ኩሉ ግዜ ንደቅኻ ብቐረባ ተኸታተሎም።
  • ንምሕንባስ ኣብ ዝተኸልከሉ ቦታታት ፈጺምካ ኣይትሓንብስ።
  • ናብቲ ማይ ንምእታው ብጥንቃቐ ሰጒም። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ማይ ኣበይ ዓሚቝን፣ ደጊም ደው ክትብለሉ ዘይትኽእልን ምዃኑ ክትርእዮ ኣይትኽእልን ኢኻ። ብዘይካዚ እቲ ባይታ መብዛሕትኡ ግዜ ዘይምዕሩይ እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ሃንደበት ዓሚቝ ክኸውን ይኽእል እዩ።
  • ካብ ዝሑል ማይ ተጠንቀቕ። ኣብ ዝሑል ማይ ካብ ንቡር ዝትሕት ምቘተ-ሰብነትን፣ ምጭብባጥ ጭዋዳታትን ከጋጥመካ ይኽእል እዩ።
  • ካብ ሓያላት ዋሕዚታት ማይ ተጠንቀቕ። ኣብ ሩባ ወይ ኣብ ባሕሪ ዝርከቡ ሓያላት ዋሕዚታት ማይ ስሒቦም ክማልኡኻ ይኽእሉ እዮም።
  • ኣብ ንጹር ዘይኮነ ማይ ፈጺምካ ኣይትዝለል ወይ ኣይትጥለቕ።

ቪድዮ ረኣይ

00:00
00:00
ናብ ቪድዮ ዝወስድ መጠወቒ ዘለዎ ስእሊ ገማግምን ባሕርን።

ወይ ብዛዕባ ምሕንባስ እትምልከት ቪድዮ ናይ Steffie.nl ኣብዚ ረኣይ። እታ ቪድዮ ብዝተኻእለ መጠን ብውሑስ ኣገባብ ንኽትሕንብስ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ኩሉ ዓይነት ምኽርታት ትህብ። እታ ቪድዮ ትምህርቲ ምሕንባስ ስለምንታይ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ እውን ትገልጽ። እተን ቪድዮታት ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ድሉዋት ኣለዋ፡ ብቋንቋታት ኔዘርላንድ፣ እንግሊዝ፣ ቱርኪ፣ ሶማልን ዓረብን።  

ምሕንባስ ምምሃር

ኣብ ኔዘርላንድ ቆልዑት ካብ ዕድመ ንእስነቶም ኣትሒዞም ትምህርቲ ምሕንባስ ይረኽቡ እዮም። ኣብ COA ዝነብሩ ቆልዑትን በጽሒታትን ትምህርቲ ምሕንባስ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ንስኻ እውን ትምህርቲ ምሕንባስ ትደልይ ዲኻ? ብዛዕብኡ ኣብ Infobalie ንሰራሕተኛ ናይ COA ሕተት።

መጠንቀቕታ ብዛዕባ ሓደጋታት ምሕንባስ።